ኤግዚቢሽን ጥዕና ትግራይ 2016
ድሕሪ መዕነዋይ ኲናት ኢንዱስትሪ ጥዕና ትግራይ እግሪ ክተክል ንምግባር ዓሊሙ ዝዳሎ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ኤግዚቢሽን ጥዕና ትግራይ ካብ ነሓሰ 15-17,2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ እዩ።
እዚ ኤግዚቢሽን ጥዕና “ህንፀት ድልዱል ጥዕና ትግራይ” ብዝብል ቴማ ዝዳሎ እንትኸውን ሆስፒታላት፣ ክሊኒካት፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይ፣ መሓውራት ጥዕና መንግስቲ፣ መከፋፈልቲ ኣፋውስ፣ ሓኻይምን ኣብ መፍትሒ ጥዕና(Health Solutions) ዝነጥፋ ትካላት ውልቀን መንግስትን ዝሳተፉሉን ኣብ ጥዕና ትግራይ ኣወንታዊ ለውጢ ከምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ኤግዚቢሽን እዩ።
ኤግዚቢሽን ጥዕና ትግራይ 2016 ብቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ ማሕበር ሓኻይም ትግራይን ትካል ገባሪ ሰናይ ቪዥን ፎር ኣክሽን ብጥምረት ዘዳልዉዎ ብዓይነቱ ፍሉይ ኤግዚቢሽን እዩ።
ኣብዚ ኤግዚቢሽን እዚ ወሃብቲ ጥዕና ትካላት ዝህብኦ ግልጋሎታትን ምህርታተንን ካብ ምፍላጥ ሓሊፉ ነፃ ግልጋሎት ምርመራ ዓይኒ፣ ሽኮር፣ ድፍኢት ደም፣ ግልጋሎት ምጣነ ስድራ፣ ሄፓታይትስ ቢን ሲን፣ ምርመራ ቲቢን ኤች ኣይ ቪ/ኤይድስን ክወሃብ እዩ።
ኣብዚ ኤግዚቢሽን እዙይ ክትሳተፉ እትደልዩ ትካላትን ኣካላትን ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ብምጥዋቕ ምምዝጋብ ትኽእሉ።
https://tmeda.org/tigray-health-exhibition-registration/
Leave a Reply